ኣብ ሶማል ዝሞቱን ዝቖሰሉን 3500 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ 200 ሚልዮን ዶላር ተኻሒሶም

Radio Erena: 19 April 2023

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ናይቲ ሕብረት ተሓቒፎም ኣብ ሶማል ንዝሞቱን ዝሰንከሉን ወትሃደራት ዝተፈላለያ ሃገራት 200 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከምዝኸፈለ ተሓቢሩ።

መርበብ ዜና ዘ ኢስት ኣፍሪካን፣ ንመግለጺ እቲ ሕብረት ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ሶማል ካብ 2007 ኣትሒዞም ካብ ዝተዋፈሩ ኣባላት ዓቃብ ሰላም፣ 3500 ወትሃደራት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።

እቶም ወትሃደራት፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ብሩንዲን ምዃኖም’ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፣ 175 ሚልዮን ዶላር ንስድራቤታት ኣብቲ ኵናት ናይ ዝሞቱ ክኽፈል እንከሎ፣ 15 ሚልዮን ድማ ንዝሰንከሉ ከምዝተዋህበ ኣነጺሩ።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናብ ሶማል ኣብ ዝተዋፈረሉ ኣብዚ 16 ዓመታት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን እተን ቀንዲ መወልቲ ምዃነን ይፍለጥ።

እቲ ዓቃብ ሰላም፣ ኣብ መወዳእታ 2024፣ ናይ ሶማል ዝነበሮ ተልእኾ ዛዚሙ ክወጻእ ትጽቢት ይግበረሉ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ተዋፍኢኢሩ ዝነበረ ኣስታት 30 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ወትሃደራት ብምልኣኽ ኣብ ምስልጣን ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0