ቀዳመይቲ ሚኒስተር መሎኒ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ዘካየደቶ ዘተ ኣካል ናይቲ ረብሓታት ኢጣልያ ዘቐደመ ናይ 1950ታት ‘መደብ ማተይ’ ‘ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: 19 April 2023

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ ጆርጂያ መሎኒ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየደቶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ብምርኻብ ዘትያ።

እታ ካብ ሕሉፍ የመናዊ ሰልፊ ዝኾነት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፣ ምስዞም መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘካየደኦ ዘተ ብውግዒ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብቲ ዞባን ዘተኮረ ምንባሩ’ዩ ተኣሚቱ።

መርበባት ዜና ኤውሮጳ፣ ኣብ ዘቕረብኦ ትንታነታት፣ ዕላማ ዑደት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናብ ኢትዮጵያ፣ ኣካል ናይቲ፣ ኣብ 1950ታት ዝተጀመረ ግና ብዙሕ ዘይቐጸለ መደብ ማታይ ንምትእትታው ዝሓቖፈ’ዩ ክብላ ገሊጸን።

መደብ ማታይ፣ ኣብ 1950ታት ብኢጣልያዊ ኤንሪኮ ማታይ ዝተኣታተወ ኮይኑ፣ ምስ ኢጣልያ ምትእስሳር ናይ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ፍርያት ጸዓትን ባህርያዊ ጋዝን ብምዕባይ ፣ ኢጣልያ ብዝያዳ ተረባሒት ትኾነሉ መንገዲ ንምጥጣሕ ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።

ኢጣልያ ነዚ ንምትግባር፣ ብ’ኣጂፕ’ ዝፍለጥ ድሒሩ ስሙ ናብ ‘ኤኒ’ ዝቐየረ ግዙፍ ኩባንያኣ ኣቢላ፣ ኣብ ሰሜናዊን ገለ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃን ክሳብ 1960ታት ብዕቱብ ትሰርሕ ምንብራ መዛግብሪ ታሪኽ ይሕብር።

ጓል 46 ዓመት ጆርጅያ መሎኒ፣ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2022 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣትሉ፣ ነቲ ረብሓታት ኢጣልያ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምውሓስ ቀረብ ጸዓት ዘቐደመ፣ ኣብ 1950ታት ዝነበረ መደብ ማተይ ክትቕጽሎ መደብ ከምዘለዋ ብወግዒ ምግላጻ ይዝከር።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፣ ብስም እቲ ናይ ልምዓት ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት፣ ጎኒ ጊኒ’ቲ ውሕስነት ጸዓት ንምርግጋጽ እትገብሮ ጻዕሪ፣ ኤርትራ ካብ እትርከቦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝፈልሱ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ንምግታእውን ኣካል እቲ መደብ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ንሳ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2023፣ ናብ ሊብያ ብምብጻሕ፣ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ናይ 8 ቢልዮን ዶላር ስምምዓት ከምዝኸተመት ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0