ኣብ ምርጫ ሶማል፣ ናይ ኣመሪካ ዜግነት ዘለዎ ሓድሽ ፕረዚደንት ተዓዊቱ

Radio Erena: 09 February 2017

NEW Soma PR

ኣብ ሶማል ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበረ መሓመድ ዓዱላህ መሓመድ ተዓዊቱ።

ፕረዚደንት ንምምራጽ፣ ብጽኑዕ ኣብ ዝሕሎ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ፣ ናይ ሃንገር ኣዳራሽ ካብ ዝተጋብኡ 275 ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ምርጭኦም፣ 88 ንፕረዚደንት ማሕሙድ ከድምጹ እንከለዉ፣ እቶም 72 ድማ ብ “ፋርማጆ” ንዝፍለጥ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበረን ህቡብ ፖለቲከኛን መሓመድ ዓዱላህ መሓመድ ደጊፎም።

እንተኾነ፣ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ናይቲ ምርጫ፣ ብ”ፋርማጆ” ዝፍለጥ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበረን ህቡብ ፖለቲከኛን መሓመድ ዓዱላህ መሓመድ ከምዝተዓወተ ተረጋጊጹ።

ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ናይቲ ምርጫ፣ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን መራሒ እስላማዊ መጋብኣያታት ሶማል ነበረን ሸኽ ሸሪፍ ኣሕመድ49፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበረ ዑመር ዓብዲራሽድ ዓሊ ሻርመረክ ድማ 37 ናይ ድጋፍ ድምጽታት ድሕሪ ምርካቦም፣ ሻርመረክ ካብቲ ናይ ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ከምዝሰሓበ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ተመሪጹ ዘሎ ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ መሓመድ ዓዱላህ መሓመድ ናይ ኣመሪካ ዜግነት’ውን ኣለዎ።

ንፕረዚደንት ሶማል ካብ ዝተወዳደሩ 24 ሕጹያት፣ እቶም 19 ናይ ወጻኢ ፖስፖርት ዝሓዙን ድርብ ዜግነት ዘለዎምን ምዃኖም ማዕከናት ዜና ሶማል ይጠቅሳ።

ብመሰረት እተን ማዕከን ዜና ዘቕረብኦ ሓበሬታ፣ 9 ካብኣቶም ናይ ኣመሪካ፣ 4 ናይ ብሪጣንያ 3 ድማ ናይ ካናዳ ፓስፖርት ዝወነኑ’ዮም።

ብዘይካ’ዚውን ካብቶም ፕረዚደንት ንምምራጽ ዝተጋብኡ 275 ኣባላት ፓርላማ እቶም ልዕሊ 100 ናይ ወጻኢ ፖስፖርት ዝሓዙን ድርብ ዜግነትን ዘለዎም’ዮም።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0