ጽልዋን ውሳኔን ዘይብሉ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ

Radio Erena: 10 February 2017

Cabine MInisters

ኣብ ጉዳያት ኤርትራ ዝኾነ ውሳኔን ጽልዋን ዘይብሉ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ኣካይዱ።

እቲ ካቢኔ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ፣ ከም ናይ ወትሩ፣ ወረቓቕቲ ስራሕ ሚኒስትርታት ኣቕሪቡን ሰሚዑን ጥራይ’ዩ ተባሂሉ ሓሊፉ።

ኣብ ጉዳያት ኤርትራ ወልሓንቲ ወሳኒ ስልጣንን ጽልዋን ዘይብሉ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ብ18 ሚኒስትርታት ዝቖመ እኳ እንተኾነ፣ ሚኒስተሪ ምክልኻል ግና ነዚ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ብዘይዝኾነ ሚኒስተር ስለዘሎ፣ ኣብዚ ናይ ትማሊ ኣኼባ ኣይተሳተፉን።

ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ማእከላይ ሽማግለ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ህግደፍ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ዘየካይዱ ሎሚ 10 ዓመቱ ሓሊፉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ክንድኡ፣ ኣብ ውሽጣውን ግዳማውን ጉዳያት ዋልሓንቲ ጽልዋን ውሳኔን ዘይብሎም ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ብተደጋጋሚ ኣኼባ ከካይዱ’ዮም ዝርኣዩ።

ስልጣን ብፕረዚደንት ጥራይ ኣብ ዝተባሕተላ ኤርትራ፣ ካብ ኣኼባ’ዞም ዝኾነ ጽልዋን ውሳኔን ዘይብሎም ሚኒስተራት ኤርትራ ዝኾነ ትጽቢት ከምዘየለ’ውን ህዝቢ ብዓውታ ዝዛረበሉ ጉዳይ’ዩ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0