ጀርመን፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ናብ ፖሊስ ኢጣልያ ኣረኪባ

Radio Erena: 09 February 2017

Ger to It

ጀርመን፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ናብ ፖሊስ ኢጣልያ ከምዘረከበት ማዕከናት ዜና ካብ ሮማ ሓቢረን።

እቲ ስሙን ምሉእ መንነቱን ዝተዓቀበ፣ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ ሰብ፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ክህደን ዝጸንሐ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኢጣልያ ኣብ ሚያዝያ 2015፣ ኣብ ዘካየደቶ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝተጠርጠሩ ሰባት ምህዳን ስርሒት፣ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 24 ሰባት ከምዝቐየደት ይዝከር።

እዚ ብሮቡዕ 8 ለካቲት ናብ ኢጣልያ ተረኪቡ ዘሎ ጥርጡር’ውን ኣካል ናይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ስርሒት እኳ እንተነበረ፣ ከይተታሕዘ’ዩ ጸኒሑ።

ሃገራት ኤውሮጳ፣ ካብ ኣፍሪቃ ክሳብ ውሽጢ ኤውሮጳ ንዝተዘርግሐ መርበብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብዕቱብ ኣብ ዝከታተላሉ ዘለዋ እዋን፣ ጀርመን በዚ ክሲ’ዚ ንዝተጠርጠሩ ሰባት ናብ ኢጣልያ ከተረክብ ናይ መጀመርያኣ ኣይኮነን።

ኢጣልያ፣ ካብ ሱዳንን ሊብያን ኣትሒዞም ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ንዝነጥፉ ሰባት ንምህዳን ኣብ እተካይዶ ዘላ ስርሒት፣ ካብ ኤርትራ፣ ሱዳንን ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሊብያን ሓገዝ ኣብ ምሕታት’ያ ትርከብ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ዕሉል ኣሰጋጋሪ’ዩ ብምባል፣ ብጌጋ ዝሓዞ መድሃኔ ተስፋማርያም ዝተባህለ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምርካቡ፣ ክሳብ እዚ’ዚ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ይርከብ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ይተሓሓዝ’ዩ ብዝብል፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት እናገፈፈ ናብ መንግስቲ ኤርትራ የረክብ ከምዘሎ’ውን ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0