ኣብ ሶማል፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ንምቕታል ዝዓለም መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 11 April 2017

Soma Gen

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ማእከል ወትሃደራዊ ስልጠና ብዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 10 ሰባት ተቐቲሎም።

ዕላማ እቲ ብሰኑይ 10 ሚያዝያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኮይኑ ንኸገልግል ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ ንዝተመዘዘ ጀነራል ኣሕመድ መሓመድ እርፊድ ንምቕታል ምንባሩ ተሓቢሩ።

ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ኮለነል ዓብዲ ሓሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ወትሃደራዊ ክዳን ለቢሱ፣ ተመሳሲሉ ናብቲ ማእከል ስልጠና ዝኣተወ መንእሰይ፣ ኣብ ነብሱ ተኣሲርዎ ዝነበረ ነታጕ ብምፍንጃር ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ሓቢሩ።

ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣብዘን ሒደት ሳምንታት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክካይድ እዚ ንሓሙሻይ ግዚኡ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0