ኣብ ሆላንድ ዝካየድ ዋዕላ መንእሰያት ተቓውሞ ከይገጥሞ ዝሰግአ ህግደፍ፣ ንጹር ቦታን ሰዓታትን ካብ ምሕባር ይቑጠብ

Radio Erena: 11 April 2017

YPFDJ

ካብ ሮቡዕ 13 ክሳብ 17 ሚያዝያ ኣብ ሆላንድ ዝካየድ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ዞባ ኤውሮጳ፣ ንሓያሎ ወገናት የከራኽር ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ዋዕላ ክቋረጽ ብሓያሎ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታትን ፈተነታት ከምዝተኻየደ ዝሓብሩ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት፣ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብወገኑ፣ ካብ ሓያል ተቓውሞ ብምስጋእ እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ሰዓታትን ቦታን ብምስጢር ሒዝዎም ከምዘሎ ጠቒሶም።

ኩነታት ኤርትራ ክሳብ ኣብ ፓርላማ ሆላንድ ከምዝተዘተየሉ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽም ዘሎ መንግስትን፣ ነቲ መንግስቲ ተቖጻጺሩ ዘሎ ህግደፍን እንታይ መርገጺን ስጉምትን ይወሰድ ኣብ ዝብል ነጥቢ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ’ዩ ዘከረኻር።

ኣብ ምትርጓም ንሓድሽቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሰርሑ ዝጸንሑ ሓያሎ ንጡፋት ኣባላት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ’ውን ምስዚ ብዝተሓሓዝ ካብ ስርሖም ከምዝተባረሩ ኣይርሳዕን።

ህግደፍ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ዘካይዶ ዋዕላታት ይኹን ኣኼባታት ርኡይ ተቓውሞታት ይገጥሞ ምስ ምህላዉ፣ ንጹር ቦታን ሰዓታትን ብኣግኡ ካብ ምሕባር ክቑጠብ’ዩ ዝርአ ዘሎ።
========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0