ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ ነዳዲ ምልኣኽ ትጅምር

Radio Erena: 11 April 2017

Oil Tanker 2

ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ ነዳዲ ክልትእኽ ከምዝጀመረት ሚኒስተር ነዳዲ ስዑዲ ካሊድ ኣል ፋሊሕ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፣ ካብ ስዑዲ ዝተበገሳ፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ኣርባዕተ መራኽብ ኣብ ግብጺ ከምዘራገፋ ሚኒስትሪ ነዳዲ ግብጺ ብወገኑ ኣፍሊጡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣቛሪጻቶ ዝጸንሐት ምልኣኽ ነዳዲ ናብ ግብጺ ዳግም ትጅምሮ ዘላ፣ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት፣ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተኻየደ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ’ዩ።

 ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ብጉዳይ መርገጺ ሶርያ ድሕሪ ዝተላዕለ ምስሕሓብ፣ ስዑዲ ዓረብ ካብ ጥቅምቲ 2016 ኣትሒዛ ናብ ግብጺ እትልእኮ ነዳዲ ደው ኣቢላቶ’ያ ጸኒሓ።

ክልቲኤን ሃገራት ኣቐዲመን ብዝኸተምኦ ስምምዕ መሰረት፣ ስዑዲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሐ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 700 ሽሕ ቶን ነዳዲ ናብ ግብጺ ክትልእኽ’ያ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0