ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንምርጫ ኣምሓደርቲ ካብ ዝተወዳደራ ኣስታት 900 ደቂንስትዮ 17 ተዓዊተን

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንምርጫ ኣምሓደርቲ ካብ ዝተወዳደራ ኣስታት 900 ደቂንስትዮ 17 ተዓዊተን

Radio Erena: 15 December 2015

Saudi elec

ኣብ ታሪኽ ስዑዲ ዓረብ ንመጀመርያ እዋኑ ንደቂንስትዮ ኣብ ምርጫ ክወዳደራ ይኹን ክመርጻ ዕድል ዝሃበ ፍጻሜ፣ ልዑል ተሳትፎ ደቂንስቶ ከምዝተራእዮ ተገሊጹ።

ውጺት ናይቲ ብቀዳም 12 ታሕሳስ ዝተኻየደ ምርጫ ብወግዒ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ምስ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ቅርበት ዘለዋ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ ግና ኣብ መላእ እታ ሃገር 17 ደቂንስትዮ ኣምሓደርቲ ክኾና ተመሪጸን ምህላወን ኣፍሊጣ።

ኣብዚ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ምርጫ ኣምሓደርቲ ንምስታፍ ኣስታት 900 ደቂንስትዮ ጎስጓስ ከካይዳ ምቕናየን ብማዕከናት ዜና ተገሊጹ’ዩ።

ብሕጊ እምነት ምስልምና (ሸሪዓ) እትመሓደር ስዑዲ ዓረብ ካብ 2011 ኣትሒዛ ደቂንስትዮ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ፖለቲካ እታ ሃገር ክሳተፋ ማለት ክመርጻ ኮነ ክምረጻ መሰል ከምዘለወን እኳ እንተኣወጀት፣ ክሳብ እዚ ዓመት እዚ ዘተባብዕ ውጽኢት ከይተረኽቦ’ዩ ጸኒሑ።

 

ሓያሎ ኣኽረርቲ ወገናት እታ ሃገር’ውን ንተሳትፎ ደቂንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ኣትሪሮም ይቓወሙ።

መሰል ደቂ ሰብ ብፍላይ ከኣ መሰል ደቂንስትዮ ብምግሃስ ምስ ቀዳሞት እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ምርጫ ኣመሓደርቲ ክሳተፋ መሰል ከምዘለወን እኳ እንተእወጀት፣ በንጻር እዚ ግና ደቂንስትዮ መኪና ክዝውራ፣ በይነን ክገሻ ይኹን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክርኣያ ኣይትፈቕድን’ያ።
================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0