ብሪጣንያን ፈረንሳን፣ ኣብ ወደብ ካሌ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዉ ኤርትውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ቆላሕታ ክገብራ ጻውዒት ቀሪቡ

ብሪጣንያን ፈረንሳን፣ ኣብ ወደብ ካሌ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዉ ኤርትውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ቆላሕታ ክገብራ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 14 December 2015

Calais

ብሪጣንያን ፈረንሳን፣ ኣብ ወደብ ካሌ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ናይ ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ፍታሕ ንምንዳይ ተበግሶ ክወስዳ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

እቲ መተሓሳሰቢ ዝቐረበ ካብ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝመጹ ኣህጉራውያን ትካላት ስደተኛታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ግብረሰናይን ኣብ ዝተረኽቡ፣ ብቀዳም 12 ታሕሳስ ኣብ ካሌ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ’ዩ።

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ናይ ዝተኣኻኸቡ ዘለዉ ቁጽሪ ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስታት ፈረንሳን ብሪጣንያን ነቶም ስደተኛታት ቆላሕታ ክገብራሎም ስለዘይክኣላ፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብዝለገስዎ ቴንዳታትን ኮቦርታን ከምኡ’ውን መዓልታዊ መግቢ እናተሃቦም ኣብ ጫካታት ይነብሩ ምህላዎም’ውን መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

 

ካብ ቆላሕታ መንግስቲ ፈረንሳ ወጻኢ ዝኾነ ኣሽሓት ስደተኛታት ዝነብርሉ ዘይሕጋዊ መዓስከር ኣብ ጫካታት ካሌ ምቛሙ ንነበርቲ እታ ከተማ ኣሻቒሉ ምህላዉ ዝጠቐሱ ኣካየድቲ ትካላት ግብረሰናይ፣ ኩነታት ካሌ ቅልጡፍ መፍትሒ እንተዘይረኺቡ ሓደ ካብቲ ብሕማቕ ኩነታት ዝግለጽ መዓስከራት ስደተኛታት ዓለም ክኸውን ከምዝኽእል ኣገንዚቦም።

መንግስቲ ፈረንሳ ብወገኑ፣ እቶም ኣብ ካሌ ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ኢሉ ከምዝፈልዮም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ክሓቱ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ መብዛሕቶም ዜጋታት እዘን ሃገራት’ዚኣተን ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ስለዝደልዩ፣ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ክሓቱ ከገድዶም ከምዘይክእል የረድእ።

ብሪጣንያ በንጻሩ፣ ስደተኛታት ኣብ ካሌ ቅድሚ ምትእኽኻቦም ፈረንሳ ምስ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ዘለዋ ዶብ ኣጽኒዓ ክትዓጹ’ያ ተዘኻኽር።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካሌ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኣብ ዝቖመ መዓስከር፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከብዎም ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ስደተኛታት ኣለዉ።

እዚ ብትካላት ግብረ ሰናይ ዝካየድ ዘሎ መዓስከር፣ ንደቂንስትዮን ህጻናትን ዝተሓዝአ ፍሉይ ቦታ’ውን ኣለዎ።

ንብሪጣንያን ፈረንሳን ዘራኽብ ገለርያ ባቡርን ክሊ ማያን ብኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ክልትኤን ሃገራት ብጽቡዕ ኣብ ርእሲ ምሕላዉ፣ ኣስታት ሽዱሽተ ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ዘመናዊ ሓጹር’ውን ተተኺልሉ ኣሎ።

ኣብዚ ‘ጫካ’ እናተባህለ ዝጽዋዕ፣ መዓስከር ብዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶርያን ኣፍጋኒስታትን ዝውነን 10ታት ኣብያተ መግቢ ክህሉ እንከለዎ፣ ብውሕዱ ክልተ ኣብያተ ክርስትያንን ክልተ መሳጊድን ከኣ ይርከቦ።

እቲ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ፈረንሳ ወጻኢ ዝኾነ መዓስከር፣ ብዙርያኡ 24 ሰዓታት ብፍሉያት ሓይሊ ፖሊስ ፈረንሳ’ዩ ዝሕሎ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0