ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ብሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ዝተነድፈ ሓድሽ እማመ ተቐቢሉ

Radio Erena: 30 June 2019

ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ብሓሙስ 27 ሰነ ብሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ዝተነድፈ ሓድሽ እማመ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

እዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ፣ ብመሰረት ጠለብ ህዝቢ ፣ ብዓብላሊ ቁጽሪ በርጌስ፣ ዝቖመ ቤት ምኽሪ ክቐውም ዝጽውዕ ክኸውን ከሎ ፣ብዛዕባ ዝቐውም መሰጋገሪ ባይቶ ግን ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህቦን።

ምንቅስቓስ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን ነቲ እማመ ተቐቢሉዎ እምበር ዝኾነ ይኹን ውሳኔ ከምዘየሕለፈ ተፈሊጡ’ሎ።

ነቲ ብኢትዮጵያ ቀሪቡ ዝነበረ እማመ ፣ ዝቐውም ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ብ7 ሲቪላውያንን 7 ወተሃደራውያንን፣ ሓደ ከኣ ዘይሻራዊ ዝኾነ ሲቪላዊ ውልቀሰብ ክኸውን ዝብል ንድፊ ግን ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢልዎ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ሓድሽ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፣ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ብመንገዲ ቆንስሉ ለተናል ጀነራል ሸምሸዲን ኣቢሉ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓባር ኣብ ሓደ እማመ ክበጽሑ ብዝገበሮ ጻውዒትዩ ተነዲፉ።

ንሰለስተ ናይ ሰጋገሪ ዓመታት ዝጸንሕ 15 ኣባላት ዘለዉዎ ብዝበሑ ሲቪል ዝቖመ ኣማሓዳሪ ኣካል ክቐውም ዝብል ዝርዝራት’ውን ይርከቦ።

ብዛዕባ ዝቐውም ሓጋጊ ኣካል ግን ኣብቲ ዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

መራሒ ሰልፊ ኡማ፣ ኣል ሳዲቕ ኣልማህዲ ነዚ ሓድሽ እማመ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎን ምስ ካልኦት መላፍንቲ ውድባት ክዝትየሉ ሙዃኑን ገሊጹ።

ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ናብ ዘተ ዘቀራርብ እማመ ሰላም ነዲፈን ክሰርሓሉ እንከለዋ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝብል መርገጺ ምሓዙ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0