ኣብ ሱዳን ተኣዊጁ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ንክናዋሕ ዝዝቲ ኣኼባ ተናዊሑ

Radio Erena: 26 January 2020
ኣብ ሱዳን ተኣዊጁ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ንክናዋሕ ዝዝቲ ኣኼባ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ላዕለዋይ ቆንስል ሱዳን፣ ጸጥታን ውሕስነትን ዜጋታት ንምርግጋጽ ብዝብል ዝኣወጆ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ እዩ ከብቅዕ መደብ ኔሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ብሄር ዝመቀሊኡ ሓያሎ ግጭታት ይረአ ኣሎ ብምባል’ዩ፣ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክናዋሕ ዝጠልብ ዘሎ።

እንተኾነ ደገፍቲ ስርዓት ኣልበሽር ነበር ዝርከብዎም ሓያሎ ተቓወምቲ ወገናት፣ ኣብ ሱዳን ንሓደጋ ዘቃልዕ ዝኾነ ስግኣት የለን ብምባል ንምንዋሕ’ቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ይቃወምዎ ኣለዉ።

ወሃብ ቃል ላዕለዋይ ቆንስል ሱዳን፣ መሓመድ ኣልፋኪ ሱለይማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዋዕላ ኣብ ውሳኔ ክበጽሕ ስለዘይከኣለ ኣቦ ወንበር እቲ ቆንስል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ክዘራረቡሉ ምዃኖም ሓቢሩ።

ቆንስል ሱዳን፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2019 እዩ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ንሰለስተ ወርሒ ኣናዊሕዎ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0