‘’ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ፍሹል ጸረ ሰላም’ዩ’’ ቀ.ሚ. ኣብይ

‘’ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ፍሹል ጸረ ሰላም’ዩ’’ ቀ.ሚ. ኣብይ

Radio Erena: 24 June 2018 Updated

 ethio_bomb attak 2ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይድ ዝነበረ ህዝቢ ብዝተሰንደወ ቦምባ፣ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ሓያሎ ከኣ ብከቢድን ፎኪስን ከምዝቖሰሉ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ትማሊ ዕለት 23 ሰነ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መደርኡ ድሕሪ ምዝዛሙ መንነቶም ካብ ዘይተፈልጠ ብዝተሰንደወ ቦምባ ኢድ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተኻዪዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሓያሎ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ’ኳ እንተገለጸ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር፣ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ከኣ ከምዝቖሰሉ ገሊጹ። 15 ካብኣ’ቶም ብከቢድ ዝቖሰሉ ኮይኖም ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ትዕዝብቶም፣ ብወገን የማን ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበርሉ ቦታ ዝነበረ ውልቀሰብ ነቲ ቦምባ ክድርብየሉ ኣብ ዝፈተነ እዋን ሓደ ካብ’ቶም ዕዱማት ብኢዱ ድሕሪ ምሓዙ ከምዝተፈንጀረ ይሕብሩ።

ምምሕዳር ፖሊስ ዝርዝር መጽናዕቲ ገና ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፣ ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቃሉ፣ እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ጸረ ሰላም ወገናት ቅድሚ ሕጂ ኣይተዓወቱን፣ ሕጂ’ውን ኣይክዕወቱን’ዮም ድሕሪ ምባል፣ ንስድራቤት ዝተጎድኡ ዜጋታቱ ጽንዓት ተመንዩ።

ቁጽሪ ናይቲ ንናይ ደገፍ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጸ ህዝቢ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ፍሉይ ምንባሩ ዝገለጻ ማዕከናት ዜና ዓለም፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምታት ንጎደና ምዕባለ፣ ደሞክራሲን ሰላምን ንምድጋፍ ምንባሩ ይገልጻ።ethio_bomb attak

ኤርትራ ነዚ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ተኣኪቡ ኣብልዕሊ ዝነበረ ህዝቢ ዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብመንገዲ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ ኮኒናቶ’ላ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ፣ ካብ ሰላም እምበር ካብ ጎነጽ ዝርከብ ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ መኽሰብ ከምዘየለ ገሊጻ።

ኢትዮጵያ ምስ ሓድሽ መራሒኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እተርእዮ ብዘላ ሓደስቲ ለውጥታት፣ ብፍላይ ከኣ ምስ ኤርትራ ወሲዳቶ ዘላ ተበግሶ ሰላም ዘይዓገቡ ሓያሎ ወገናት ዘለዎም ተቓውሞ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብቲ ዝቖሰሉ ተዓቚቦምሉ ዘለዉ ጥቁር ኣምበሳ ሆስፒታል ከምዝበጽሐ መንግስታዊ ማዕከን ዜና’ታ ሃገር ገሊጹ።

ብተወሳኺ ምስቲ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ፣ ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቦም 9 ኣባላት ፖሊስ’ታ ከተማን ፈደራልን ንኣገዳሲ መርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ገሊጹ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0