ፕ.ኣልበሽር፣ ጉዳይ ደ.ሱዳን ንምፍታሕ ተበግሶ ይወስድ

ፕ.ኣልበሽር፣ ጉዳይ ደ.ሱዳን ንምፍታሕ ተበግሶ ይወስድ

Radio Erena: 24 June 2018

beshir and his FMጉዳይ ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ ተበጊሱ ዘሎ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ምስ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንምምኻር፣ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ዩጋንዳ ሰዲዱ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዝመርሖ ልኡኽ፣ ምስ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን፣ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሳልቫ ኪርን ሪክ ማቻርን ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ኣብ ካርቱም ንዝግበር ኣኼባ መርሓ ሕንጻጽ ንምስፋር ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና የመልክት።

ነዞም ክልተ ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳን ንምቅርራብ፣ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ሓላፍነት ከምዝሃብዎ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ንኽካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን፣ ሪክ ማቻር ንኽሳተፍ ዘቕረቦ ጠለብ፣ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ተቐባልነት ዘይምርካቡ፣ ሓደ ካብቲ ንክልቲኦም መራሕቲ ኣተፋኒኑዎም ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0