ፈረንሳ፣ ስደተኛታት ምቕባል ኣብ ልዕሊ ዝኣብያ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ቁጠባ እገዳ ክትግበር ትጽውዕ

ፈረንሳ፣ ስደተኛታት ምቕባል ኣብ ልዕሊ ዝኣብያ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ቁጠባ እገዳ ክትግበር ትጽውዕ

Radio Erena: 25 June 2018

President Macron

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢማኑዌል ማክሮን፣ ስደተኛታት ምቕባል ኣብ ልዕሊ ዝኣብያ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ቁጠባ እገዳ ክትግበር ጸዊዑ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝጸውዐ፣ ኢጣልያ፣ ኣስታት 200 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ገማግም ባሕራ ከይትጽጋዕ ከልኪላትሉ ኣብ ዘላ እዋን’ዩ።

እታ ናይ ንግዲ መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓና፣ ናብ ደቡባዊ ሲቺልያ ክትጽጋዕ እኳ እንተሓተተ መንግስቲ ኢጣልያ ፍቓድ ከምዝኸልከላ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኢጣልያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ናብ ገማግም ባሕራ ከይጽግዑ ዝሰጎቶም ልዕሊ 60 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ናብ ስጳኛ ከምዝተሰጋገሩ ይዝከር።

ንመብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ፈረንሳ ክትቕበሎም ምዃና ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ግዜ፣ ፕረዚደንት ማክሮን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ጎዲሉ እኳ እንተሎ፣ ከም ኢጣልያ ዝኣመሰላ ሃገራት ግና ንፖለቲካ ይጥቐማሉ ኣለዋ ክብል ነቒፉ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢጣልያ ማትዮ ሳልቫኒ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ንፕረዚደንት ማክሮን “ዕቡይ” ክብል ድሕሪ ምዝላፉ፣ ፈረንሳ ንኻልኦት ሃገራት ኣብ ክንዲ ምጥቃዕ፣ ኣብ ዶብ ኢጣልያ ተዓጊቶም ንዘለዉ ስደተኛታት ዶባታ ብምኽፋት ግብራዊ ስግሙቲ ከተርኢ ጸዊዑ።

ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከም ናይ ኢጣልያ ጾር ስደተናታት ኣይተሰከማን ዝበለ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት 650 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ገማግም ባሕሩ ከምዘተጸግዑ ብምጥቃስ፣ ካብዚኣቶም እቶም 430 ሽሕ ዑቕባ ከምዝሓተቱን ነቶም 170 ሽሕ ከኣ ዑቅባ ካምዝሃቦምን’ዩ ዝገልጽ።

እዚ መስርሕ ምቕባል ስደተኛታት 5.8 ቢልዮን ዶላር ከምዘባኸነላ እትገልጽ ኢጣልያ፣ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ምዃኑ የማርር።

እንተኾነ፣ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ መንግስቲ፣ ንኩነታት ስደተኛታት ምቲ ዝኽተሎ ፖለቲካ ብምትእስሳር ጥራይ ይገልጾ ምህላዉ ፈረንሳ ትወቕስ።

ፈረንሳን ኢጣልያን ብጉዳይ ስደተኛታት ተሰሓሒበናሉ ኣብ ዘለዋ እዋን፣ ጀርመንን ስጳኛን ዝርከብኦ፣ ፍሉይ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳ ክካየድ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዚደንት ፈርንሳ ብጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ጸርፊ ዝተሓወሶ ምምልላስ ከካይድ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0