ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ሱዳንን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘድሊ ተገሊጹ

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ሱዳንን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘድሊ ተገሊጹ

Radio Erena: 27 October 2015

EU Kassala

ኣምባሳደራት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ተዓቝቦምሉ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ምብራቕ ሱዳን ዑደት ኣካይዶም።

ኣምባሳደራት ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ኔዘርላንድስ፣ ሽወደንን ብሪጣንያን ዘጠቓለለ ጉጅለ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካይድዎ ናይ ምብራቕ ሱዳን ዑደት፣ ኣብ መዓስከራት ንዘሎ ኩነታት እናተዘዋወሩ ድሕሪ ምዕዛብ፣ ብዛዕባ መሸጣን ምስግጋርን ደቂ ሰብ ብዝምልከት’ውን ምስ ሓደ ሓደ ነበርቲ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ዝኾኑ ስደተኛታት ተዘራሪቦም።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ምብራቅ ሱዳን ንዝህሉ ልምዓታዊ መደባት ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን እቲ ርክባት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ድማ እቲ ዞባ ቀንዲ መተሓላለፍሲ ስደተኛታት ብምዃኑ፣ ኣብ ምቁጽጻርን ዋሕዚ ስደተኛታት ክግበር ንዝኽእል ምትሕግጋዝ ንምዝርራብ’ዮም እቶም ኣምባሳደራት ናብቲ ዞባ ዑደት ኣካይዶም።

 

10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቝቡሉ መዓስከራት ወዲ ሸሪፈይን ሸገራብን ዝርከበሉ ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ እቲ ኣውራ መሰጋገሪ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኮይኑ ምህላዉ ይግለጽ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0