ፕረዚደንት ሶማልን ንጉስ ስዑዲ ዓረብን፣ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም

ፕረዚደንት ሶማልን ንጉስ ስዑዲ ዓረብን፣ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም

Radio Erena: 27 October 2015

Somali Salm

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ፣ ህሉው ኩነታት ሶማልን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም።

ፕረዚደንት ሶማል ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ንምዝርራብ ናብ ሪያድ ዘምርሐ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ንመራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ዝገብረሎም ዘሎ ዕድመ መሰረት’ዩ።

ንጉስ ሳልማን ኣብዚ ክልተ ቅነ ምስ ንመራሕቲ ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ናብ ሪያድ ብምዕዳም ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ክዝቲ እንከሎ፣ ኣቐዲሙ ድማ ንፕረዚደንታት ኤርትራን ሱዳንን ከምዘዘራረቦም ኣይርሳዕን።

 

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ንእተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒታት ንምዕዋት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓረብን ወትሃደራዊ ሓይላ ንምራኣይ’ውን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ነዚ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ጉዳይ የመን ኣበጋጊሳቶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ፣ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ እናተጠቕማ፣ ምስታ ሃገር ዝምድንአን ንምምሕያሽ ይጓየያ ምህላወን ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ የረድኡ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0