ኣብ ማይ ዓይኒ ዝጀመረ ተቓውሞ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዓዲ ሓሩሽ’ውን ልሒሙ

ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ኣብ ዝርከብ መዓስከረ ስደተኛታት ማይዓይኒ ዝጀመረ ሰልፊ ናብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ’ውን ከምዝልሓመ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ መዓስከር ኣረጋጊጾም።

 

እቲ ሎሚ ንግሆ ኣብ መዕእስከር ዓዱ ሓርሽ ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ።

እቲ ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ኣብ ማይ ዓይኒ ዝጀመረ ተቓውሞ ብመጠኑ ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ ነቶም ኤርትራውያን ጉዳዮም ዝሰምዕ ንስደተኛታት ዝከታተል ኣካል መንግስቲ ማለት ኣራን ወከልቲ UNHCRን ዘዕግብ መልሲ እንተዘይህቦሞም እቲ ተቓውሞ ክቕጽልዎ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝኸፈትሎም ተዅሲ ሓሙሽተ ቆልዑን ከምዘቐትሉን ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉን ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻብ ሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

እቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ መሰላቶም ክሕሎ፣ ብስም ኤርትራውያን ናይ ስደተኛታት ካርድ ሒዞም ዘለዉ ኢትዮጵያይውን ካብቲ መዓስከር ክወጹ፣ ኣብቲ መዓስከር ዝፍጸም ዘሎ ገበናት መግትኢ ክግበረሉ፣ ድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሕሎ ዝብል ካልእ ጉዳያትን ኣልዒሎም’ዮም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብምኽንያት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ኣስታት 130 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተወደበ ኮይኑ፣ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዘሎ ጭውያን መሸጣን ከምኡ ድማ ምስግጋርን ስደተኛታት ሓደ ካብቲ ንመዓስከራት ውሑስ ዘይግበሮ ነጥቢ ምዃኑ’ውን ኣስሚሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዕእስከራት ሽመልባ፣ ማይ ዓይኒ፣ ዓዲ ሓሩሽን ሰመራን ከምኡ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓፈሻ ልዕሊ 65 ሽሕ ኤርትራውያን ከምእተዓቕቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሓይሎ ካብኣቶም ነቲ መዓስከራት እናራሕርሑ ናብ ሊብያን ግብጺን ብምስጋር ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ከምኡ ድማ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታዉ ከምዝፍትኑ ዝፍለጥ’ዩ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0