ብሰንኪ ኣብያ መማህራን፣ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምር ኣይከኣለን

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ፣ መማህራን ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምር ስለዘይክኣለ ወለዲ መረርኦም ይገልጹ ኣለዉ።

 

ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕረብቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ዞባታት ዓንሰባን ደቡብን ኣብ ሕእያሎ ገጠራት ዝተመደቡ መማህራን ኣብቲ ዝተመደበሎም ቦታ ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም፣ ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምር ከምዘይክኣለ ተጠቕሱ’ዩ።

ድሒሩ ኣብ ዝበጽሓና ተወሳኺ ሓበሬታ ድማ፣ እቲ ጸገም ኣብ ገጠራት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ከተማታት ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ጸልዩ ኣሎ።

ኣብ ከባቢ ፓራዲዞ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ሰለሙና፣ ኣብ ከባቢ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ፍትሕን ብሰንኪ ስእነት መማህራን ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምራ ዘይክኣላ’የን።

መማህራን ኣብ ርእሲ’ቲ ዘዕግብ ደሞዝ ዘይምርካቦም መብዛሕቶም’ውን ብዘይድሌቶም ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተመደቡ ምስ ምዃኖም፣ ኣብቲ ሞያ ዝኾነ ፍቕሪ ከምዘይብሎም’ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ እቶም ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝምደቡ ድማ ብብዝሒ ክኹብልሉን ናብ ስደት ክውሕዙን’ዮም ዝርኣዩ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0