ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ክነጥፋ ዝጸንሓ ስለስተ ትካላት ግብረ ሰናይ ስርሐን የቛርጻ

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ክነጥፋ ዝጸንሓ ስለስተ ትካላት ግብረ ሰናይ ስርሐን የቛርጻ

Radio Erena: 15 August 2017

MSF

ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንዝተበገሱ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒታት ከካይዳ ዝጸንሓ ሰለስተ ትካላት ግብረ ሰናይ ንጥፈታተን ከምዘቋረጻ ሓቢረን።

ብፈረንሳውያን ዝተመስረተ ሓካይም ብዘይዶብ፣ ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ዓይኒ ባሕሪ፣ ከምኡ ድማ ድሕነት ቆልዑን ዝተባህላ ዘይመንግስታውያን ትካላት፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ንጥፈታተን ዘቛርጻሉ ምኽንያት፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናብቲ ንሳተን ዝነጥፋሉ ክሊ ማይ ክንቀሳቐስ ድሕሪ ምጅማሩ’የን።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምስ ኢጣልያ ብምትሕብባር፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ክሰርሕ ድሉው ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፣ ክሳብ’ቲ ስደተኛታት ንምድሓን ዝተዋፈራ መራኽብ ትካላት ግብረ ሰናይ ዝንቀሳቐሳሉ ከባቢታት ስርሒታት ካከይድ ጀሚሩ ኣሎ።

እተን ትካላት ግብረ ሰናይ፣ በብወገነን ኣብ ዝህበኦ ዘለዋ መግለጺታት ካብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክወርድ ካብ ዝኽእል መጥቃዕታት ብምስጋእ፣ ህወይት ናይ ምድሓን ስርሒታተን ደው ከምዘበላ ይጠቕሳ።

ሓለዋ ገምጋም ባሕሪ ሊብያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ንሓንቲ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ዝተዋፈረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ስጳኛ ናይ መጠንቐቕታ ተዅሲ ከምዝኸፈተላ’ዩ ዝግለጽ።

ብዋሕዚ ስደተኛታት እተማርር ዘላ ኢጣልያ፣ ኣብ ምግታእ ስደተኛታት ተዋፊሩ ንዘሎ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንምሕጋዝ መራኽብ ሓይሊ ባሕራ ክሳብ ጣራብሎስ ከተንቀሳቕስ ወሲና ምህላዋ ኣቐዲማ ኣፍሊጣ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0