ኢትዮጵያ፣ 2 ሚልዮን ከብትን ጤለ-በጊዕን ብደርቂ ይሞታ

ኢትዮጵያ፣ 2 ሚልዮን ከብትን ጤለ-በጊዕን ብደርቂ ይሞታ

Radio Erena: 15 August 2017

Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 2 ሚልዮን ከብቲ፣ ኣግማልን ጤለ-በጊዕን ብሰንኪ ደርቂ ከምዝሞታ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ህሉው ኩነታት ደርቂ፣ ብዝያዳ ነቲ ብጉስነት ዝነብር ሕብረተሰብ ኣጥቂዑ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ፣ ሞት ከብትን ጤለበጊዕን ማለት፣ ብርሰት ማለት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እዚ ብጉስነት ዝነብር ሕብረተሰብ ንመግቡ ይኹን ካልእ ንጥፈታቱ ኣብቶም ዝጓስዮም ከብትን ጤለበጊዕን ስለዝምርኮስ፣ ብፍላይ ኣዴታት፣ ነፍሰ ጾራትን ቆልዑን ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም’ውን ኣተሓሳሲቡ።

 

ዛጊት ክልተ ሚልዮን ዝግመታ ከብቲ፣ ኣግማልን ጤለ-በጊዕን ከም ዝሞታ ዘመልከተ FAO ኣስታት 8.5 ሚልዮን ህዝቢ ከኣ ተጸባዪ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

እቲ 3.3 ሚልዮን ካብዚ ግዳይ ደርቂ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ሶማሊ ከምዝርከብ’ውን እቲ ትካል ኣገንዚቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0