ምክትል መራሒ ኣልሸባብ ነበር ኢዱ ሂቡ

ምክትል መራሒ ኣልሸባብ ነበር ኢዱ ሂቡ

Radio Erena: 16 August 2017

Robow

ምክትል መራሒ ኣልሸባብ ነበር ኣቡ መንሱር ሙክታር ሮቦው፣ ናብ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኢዱ ከምዝሃበ መንግስቲ ሶማል ኣረጋጊጹ።

ሙክታር ሮቦው ካብ 2013 ኣትሒዙ ምስቲ ምስ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ከምዝሓበረ ዘፍለጠ ብኣሕመድ ጎዳነ ዝምራሕ ጉጅለ ኣልሸባብ ክሰሓሕብ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ ምስቲ ጉጅለ ኵናት ሓድሕድ ከካይድ’ዩ ጸኒሑ።

ሙክታር ሮቦው፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ማእከላይ ሶማል ናብ ሰራዊት መንግስቲ ኢዱ ምሃቡ፣ ብኡ ንብኡ ንሄሊኮፕተር ናብ ከተማ ሞቛድሾ ከምዝተወሰደ’ዩ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ምስ ኣባላት ወትሃደራዊ ስለያ መንግስቲ ሶማል ርክብ ከምዝጸንሖን ናብ መንግስቲ ንኽስልም መንገዲ ከምዘጣጥሕሉን’ዩ ዝዝረብ።

እቲ ኣልሸባብ ብደረጃ መሪሕነት ኣብ ካልኣይ ጽፍሒ ዝነበረ ሶማላዊ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ መንግስቲ ሶማል ኢዱ ዝሃበሉ ምኽንያት፣ እቲ ጉጅለ እስላማዊ መትከላት ዘይሕሉ ብምዃኑ ትማሊ 15 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ።

ነዚ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ሽበራዊ ንጥፈታት ተዋፊሩ ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ኣልሸባብ ነበረ ንዘትሓዘ ወይ ንዝቀተለ ዝኮነ ጉጅለ ወይ ውልቀሰብ፣ 5 ሚልዮን ዶላራ ክትህብ ምዃና ኣመሪካ ኣዊጃ ምንባራ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ኣመሪካ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብዝገበረቶ ምርድዳእ፣ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክህደን ዝጸንሐ ሙክታር ሮቦ ባዕሉ ኢዱ ንኽህብ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘንበረቶ ንዝቀተሎ ወይ ዘትሓዞ 5 ሚልዮን ዶላር ሞሳ ክወሃቦ’ዩ ዝብል ኣዋጅ ከተልዕሎ ከምዝተገብረ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይእምቱ።

ድሕሪ ምድምሳስ እስላማዊ መጋብኣያታት፣ ኣብ 2006 ኣልሸባብ ካብ ዝተመስረተሉ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ላዕለዋይ መራሒኡ ኢዱ ናብ መንግስቲ ክህብ እዚ ናይ ሙክታር ሮቦው ፈለማ ፍጻሜ’ዩ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ምስ ጣሊባን ዝነበረ ወዲ 47 ዓመት ሙክታር ሮቦው ምክትል ኣዛዚ ናይቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፍ ዝነበረን ኣብ 2006 ብኢትዮጵያ ዝተደምሰሰን እስላማዊ መጋብኣያታት ምንባሩ ይዝከር።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0