ኣብ ማልታ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 27 ስደተኛታት፣ ኣድማ ኣለዓዒልኩም ዝብል ክሲ ቀሪቡዎም

Radio Erena: 20 September 2020

ኣብ ማልታ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 27 ስደተኛታት፣ ኣድማ ኣለዓዒልኩም ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሎም፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

እቶም ኣድማ ብምልዕዓል፣ ካብቲ መዳጎኒ መዓስከር ከተምልጡ ፈቲንኩም ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ዘሎ ስደተኛታት፣ ዝበዝሑ ሱዳናውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን እውን ከምዝርከብዎም ታይምስ ኦፍ ማልታ ኣፍሊጡ።

ገለ ካብ’ቶም ኣብ 15 ክሳብ 37 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ንብረት ብምዕናውን፣ ጸጥታ ከባቢ ብምዝራግን ክኽሰሱ እንከለዉ፣ ኩላቶም ብሓባር ከኣ ካብቲ መዳጎኒ መዓስከር ከተምልጡ ፈቲንኩም ዝብል ክሲ ቀሪብዎም ኣሎ።

ጠበቓታት’ቶም ክሱሳት፣ ናይ ዋሕስ መሰሎም ክሕለወሎም ሓቲቶም ክነሶም፣ ቤት ፍርዲ ግና ከምዘይተቐበሎ እዩ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታት ግቡእ ክንክን ክረኽቡ ዘይጽበይዎ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣስፋሕፊሕሉ ዘሎ እዋን ግና፣ ንህወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣተሓሕዛ ብተደጋጋሚ ይርእዩ ከምዘለዉ፣ ብዓውታ ጥርዓኖም ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0