ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ስደተኛ ስነ ስርዓት ቀብሩ፣ ኣብ እንዳገብርኤል መቓብር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብስእሊ ኣሰንዮም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።harush weyane

 

ድሕሪ እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ገማግም ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ሞት ልዕሊ 250 ኤርትራውያን፣ ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ንብጾቶም ንምዝካር ኣብ ዝተኣከብሉ፣ ኣብ ልዕሊ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያን- ኣራን UNHCRን ዘለዎም ተቓውሞ ኣብ ዝገልጽሉ ዝነበሩ እዋን ፖሊስን ምልሻን ኢትዮጵያ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ብብብብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም’ዮም።

ኣብቲ መዓስከራት፣ ተቓውሞን ናዕብን ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ እቲ ወጥሪ ግና ኣይዘሓለን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0