ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ተቓውሞ ብምውዳብ ዝተኸሰሱ 10 ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ  ቀሪቦም። ናይ መወዳእታ ፍርዲ ድማ ዝመጽእ ሰሙን ክወሃቦም’ዩ

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ተቓውሞ ብምውዳብ ዝተኸሰሱ 10 ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም። ናይ መወዳእታ ፍርዲ ድማ ዝመጽእ ሰሙን ክወሃቦም’ዩ

Radio Erena: January 31, 2014

Mai Ayni 31

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ንዝተኻየደ ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ 10 ኤርትራውያን ትማሊ ሓሙስ 30 ጥሪ ኣብ ወረዳ ጸለምቲ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኤርትራውያን ነቲ ቀሪብሎም ዘሎ ዘይሕጋዊ ናዕቢ ብምውዳብን ብሰንኩ ድማ ዝዓነወ ንብረትን ዝብል ክሲ ብምቕዋም፣ ዝኾነ ገበን ከምዘይፈጸሙ ከምዝተጣበቑ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣንጻሮም ዝቖሙ መሰኻክር ብምሉኦም ክቐርቡ እንከለዉ፣ እቶም ናይ መከላኸሊ መሰኻክር ግና ኩሎም ቓሎም ንምህባ ክርከቡ ኣይከኣሉን።

 

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፣ እቶም ናይ ናይ መከላኸሊ መሰኻክር ቃሎም ንኸይህቡ ብላዕለዎት ኣመሓደርቲ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ማለት ARRA ምፍርራሕ ስለዝበጽሖም’ዩ ክብሉ’ውን እቶም ዝተወከስናዮም ምንጭታት ይጠቕሱ።

እንተኾነ ነቶም ናይ መከላከሊ መሰኻክር ስለምንታይ ቃሎም ክቡ ናብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ከምዘይቀረቡ ሓበሬታ ንኽህቡና ንምውካሶም ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ኣብ ትግራይ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ፣ ኣብ ጉዳይ እዞም ዘይሕጋዊ ናዕቢ ብምውዳብን ብሰንኪ ማ ናይ ሎሊ 125 ሽሕ ዝግመት ንብረት ብምዕናዉን ዝተኸሰሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ንሓሙስ 6 ለካቲት ናይ መወዳእታ ብይን ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ነፍሲ ወከፎም 2 ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰሩን 2 ሕሕ ብር ድማ ክኸፍሉን ከምዝተበየነሎም ይፍለጥ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥቕምቲ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ህልዊት ኣስታት 350 ዜጋታት፣ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝሃለዉ ብጾም ንምዝካርን ንምሕደራ መኦኣስከር ስደተኛታት ንምቅዋም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ፣ ነቲ ሰልፊ ንምብታን ፖሊስን ምልሻን ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝኸፈትዎ ቶዅሲ ሓደ ኤርትራዊ ክቕተል እንከሎ ሓይሎ ድማ ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።
============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0