ኣብ ጅቡቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሓደ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ሞይቱ

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሓደ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ሞይቱ

Radio Erena: January 31, 2014

Dji ERi 31

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ምሩዃት ኵናትን ስደተኛታትን ብሰንኪ ግቡእ ክንክንን ሕክምናን ሓደ ኤርትራዊ ከምዝሞተ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

እቲ ቶማስ ሓድሽ ዝተባህለ ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ነገድ ኣብ ዝተባህለ መዳጎኒ መዓስከር ጅቡቲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ብዘጋጠሞ ሕማም መንግስቲ ጅቡቲ ግቡእ ሕክምና ክገብረሉ ብዘይምኽኣሉ’ዩ ብቅድሚ ትማሊ ብሞት ተፍልዩ።

 

ኣብቲ መዳጎኒ መዓስከር፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ዋሕዲ እኹል መግብን፣ እቶም ኣስታት 250 ዝግመቱ ኤርትራውያን ግዳያት ከም ዓባይ ሰዓል ዝኣመሰለ ሕማማት ይኾኑ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብቲ ኣብ 2008 ኣብ ከባቢታት ሙሳ ዓሊ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ካብ ዝተማረኹ 20 ኤርትራውያን፣ ሓደ ከቢድ መቑሰልቲ ኣጋጢምዎ ስለዝተማረኸ፣ ግቡእ ሕክምና ክረከብ ብዘይምኽኣሉ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞተ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ኣይርሳዕን።

ኣብ ጅቡቲ 19 ምሩዃት ኵናትን ልዕሊ 200 ስደተኛታትን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ኣብዚ ቀረባ መኦኣልታት’ውን ጉዳዮም ኣተኩሮ ንምርካን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከምዘካየዱን ይፍለጥ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0