ኤርትራ ናይ እትርከበን ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 22 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ይሳተፉ ኣለዉ

ኤርትራ ናይ እትርከበን ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 22 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ይሳተፉ ኣለዉ

Radio Erena: January 30, 2014

Girma

መበል 22 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ሎምን ጽባሕን ክካየድ’ዩ።

ኣብቲ ሓያሎ መራሕሪ ሃገራት ኣፍሪቃን ወከልቶምን ዝሳተፍዎ ዋዕላ፣ ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ደቡብ ሱዳንን ዘተኮረ ዘተን ምይይጥን ክካየደሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ሸቶታት ሚልዮንዮም ንምዕዋትን ቁጠባ ንምዕባይን ተሞክሮታት ኣብ ክንዲ ምልውዋጥ፣ ፍታሕ ዘይረኸቡ ዛዕባታት ግጭታትን ሓደስቲ ዝተወልዐ ኵናትን ክዝተየሎም’ዮ።

ንኤርትራ ወኪሉ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፍ ምዃኑ’ውን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

 

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሃገራት ኣፍሪቃ ብምርኻብ ብዛዕባ እቲ መዓልቦ ዘይረኸብ ምስሓሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምእተዘራረበ ምንጭታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ጠቒሶም።

ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ብዘይካ’ዚ ሓደካብ ላዕለዎት ሰበ ስልታን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረ ክርስቶስ ዝርከቦም ሓያሎ ኣምባሳደራት’ውን ኣብ ዘዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከምዝተዘራረበ እቶም ምንጭታት የመልክቱ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0