ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ኣበርክቶ ተገይሩሎም

Radio Erena: 02 August 2020

ከም መቐጸልታ ናይቲ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ንዜጋታቶም ንምሕጋዝ ዝገብሩዎ ዘለዉ ቀጻሊ ወፈያ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ኣበርክቶ ገይሮም።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት ኣሳሒታ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተገብረ ሓገዝ ከም፣ ሩዝ፣ ሕሩጭ፣ ዘይቲ፣ ሽኮር ዝኣመሰለ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ጥራይ ዘይኮነ፤ ንመከላኸሊ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝኸውን ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘገልግል ማስክን መሕጸቢ ሳምናን ዘጠቓለለ ከምዝኾነ፣ ኣካየድቲ ስራሕ’ቲ ፕሮጀክት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ኣብዚ ብዕለት 25 ሓምለ ዝተዓደለ ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ፣ ከባቢ 500 ስድራቤታት ተጠቐምቲ ኮይነን ኣለዋ።
እዚ ብሕብረት ኤርትራውያን ኣንጻር ኮቪድ 19 ዝተዳለወ መደብ፣ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተዋጸአ ገንዘብ ዝተዓደገ ረዲኤት ክኸውን እንከሎ፣ ምስ ኢ.ሲ.ሲ.፣ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን፣ ማሕበር ረዲኤትን ምጥያስን ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ይግለጽ።
ንዝተጸገመ ምሕጋዝ ካብ ወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ስልጡን ባህሊ ኤርትራውያን ምዝኽኻር ዘድልዮ ኣይኮነን ዝብሉ ኣዳለውቲ’ቲ ፕሮጀክት፣ ኣብ ዝወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታትና ወፈያኦም ክሳብ ደው ዘየበሉ፣ ንሕና’ውን ደኺምና ከይበልና፣ ናብቲ ዝምልከቶ ወነንና ንምብጻሕ ኣይክንስልክን ኢና ብምባል፣ እቲ ሓገዝ ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ቀጻሊ ምዃኑ ሓቢሮም።
ከምዝፍለጥ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቲ ስርዓት ኣስመራ፣ ገንዘብ ብምውጻእ ናብቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ባንክ ሕሳብ መንግስቲ ኤርትራ ክሰዱ ጸኒሖም’ዮም። ናብቲ ሓገዝ ዝደልይ ኣካል ሕብረተሰብና ከምዝበጽሐ ዘመልክት ጸብጻብ ግና ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኣይተዋህበን።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 4 years ago

    አዚ ን 500 ኤልኩሞ ዘለኹም ዝተዋጸ ከምኡ ጥራይ ድዩ ነሩ አቲ መንግስቲ ኣስመራ ትብልዎ ዘለኹም ን ህዝቢ ብልከ ኣይኣደለን ድዩ ስለ ምንታይ ሓሶት ጥራይ ተጠቁ