‘ጀዋር መሓመድ ኣብ ስለያ ተዋፊሩ ኔሩ’ ፈደራላዊ መርማሪ

Radio Erena: 02 August 2020

ምስ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርት ዝርከብ ጀዋር መሓመድ ንሳልሳይ እዋኑ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።
እቲ ክሱስ፣ ናይ ፍሉጣት ሰባት ኣድራሻ ተለልዩ ክጸንሕ፣ ስጉምቲ ክውሰደሎም፣ ከምኡ’ውን ናይ ዝዕፈኑ ውልቀሰባት ኣስማት ከምዝተረኽቦ ዘረጋግጽ መርትዖ ብፈደራል ፖሊስ ቀሪቡሉ።
ጀዋር መሓመድ ብወገኑ፣ ‘መንግስቲ ኣብ ዘይኣትዎ ኣትየ፣ ዕጥቂ ተቓወምቲ የፍትሕ ደኣምበር፣ ቀታሊ ነብሲ ኣይኮንኩን’ ብምባል ነቲ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።
ኣብቲ ብ30 ሓምለ ዝወዓለ መጋባእያ፣ ክሱስ፣ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ዘበናዊ ናይ ሳተላይት መሳርሒታት ኣብ መንበሪ ገዝኡ ከምዝተረኽቡ ብምጥቃስ፣ ካብ ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን’ታ ሃገር ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ዝራኸብ መስመራት ከምዝጸንሖ ገሊጹ።
ጀዋር መሓመድ በዚ መሳርሒታት ተጠቒሙ፣ ናይ ፍሉጣት ሰባት መስመራት ቴሌፎን ብምጥላፍ፣ ይጸናጸን ምንባሩን፣ ኣድራሽኦም ዝተጸንዐ ድማ ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝብል ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ዝገልጹ መሰኻኽር፣ በቲ ብጉጅለ መርመርቲ ቀሪቦም።
እቲ ክሱስ ብተወሳኺ፣ ዓሌታዊ ግጭት ክለዓል ዝጉስጉስ መደረ ንህዝቢ ብምትሕልላፉን፣ ንዕኡ ስዒቡ ዝተፈጸመ ቅትለትን ዝዓነወ ንብረት ህዝብን መንግስትን ብዝምልከት እውን ተወሳኺ ክስታት ቀሪቡሉ።
ጀዋር መሓመድ፣ መርማሪ ጉጅለ ኣቐዲሙ ዘቕረቦ መርትዖታትን ተወሳኺ ግዜ ይወሃበኒ ድሕሪ ምባል ዝህቦ ዘሎ ቃልን ተመሳሳልነት ዝጎደሎ ብምዃኑ፣ ፖለቲካዊ ድፍኢት ከምዘለዎ ዘርእይ እዩ ብምባል፣ ኩለን ናይ ብሕቲን ናይ ወጻኢን ሜድያታት ኣብቲ ቤት ፍርዲ ክኣትዋ ክፍቀደለን ሓቲቱ።
ቤት ፍርዲ፣ ንዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ከምዘየገልግልን፣ ናብ ቤት ፍርዲ ምእታው ዝተኸልከለ ሜድያ ከኣ ከምዘየለን ገሊጹ።
ምስዚ ብሓድሽ ማዕበል ዝተጎሃሃረ ዓሌታዊ ግጭት ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰር ብዘይካ’ቲ ኣብ ህይወት ዘውረዶ ጉድኣት፣ ናይ ልዕሊ 166 ሚልዮን ብር ክሳራ ከምዘስዓበ’ውን መንግስቲ’ታ ሃገር ብምግላጽ፣ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ እዩ።
ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ብወገኖም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣልማማ ምእሳር ዜጋታቱ ደው ከብል ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0