ዚምባብዌ፣ ብልሽውና ከብቅዕ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ከይካየድ መንግስቲ ከልኪሉ

Radio Erena: 03 August 2020

ኣብ ዚምባብዌ፣ ብመንግስቲ ዝፍጸም ብልሽውና ከበቅዕ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ከይካየድ ተኸልኪሉ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ን31 ሓምለ፣ ብደረጃ ሃገር ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ኣቐዲሙ ተዋፊሩ፣ ነተን ዓበይቲ ከተማታት ካብ ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ደው ከምዘበለን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፣ ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወደቡን ክመርሑ ዝወጠኑን’ዮም ንዝበሎም 10ታት ሰባት ኣሲሮም።

ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ እቲ ክካየድ ዝተወጠነ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተወደበ’ዩ ክብል’ዩ ወቒሱ።

ልዕሊ 700% ዝቕባበ ባጤራ ዘለዎ ቁጠባ ዚምባብዌ፣ ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቕታት ውድቀቱ፣ ብልሽውና ሰበ ስልጣን መንግስቲ ምዃኑ’ዩ ዝጥቀስ።

ዓመታዊ ብብልሽውና ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝባኽነላ ዚምባብዌ፣ ካብ 180 ሃገራት ዓለም፣ ምስ ቀዳሞት 20’ያ ትስራዕ።

ከም ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ዝኣመሰላ ብብልሽውና መንግስቲ ፍሉጣት ዝኾና ሃገራት ዝሓቖፈት ኣፍሪቃ ዓመታዊ ኣስታት 50 ቢልዮን ዶላር ከምዝጠፋፋእ ጸብጻብ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽላን የመልክት።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0