ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ከይዓዝዝ ስግኣት ተፈጢሩ

Radio Erena: 26 June 2019

ኬንያ ናብ ሶማሊ ላንድ ናይ መጎዓዝያ መስመር ክትከፍት ምምዳባ፣ ኣብ መንጎኣን ኣብ መንጎ ሶማልን ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ከየዛይዶ ተሰጊኡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ኬንያ ካብን ናብን ናይሮቢ-ሃርጌሳ ስሩዕ በረራ ንምጅማር መጽናዕቱ ወዲኡ፣ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ይጽበ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን ብዋንነት ክሊ ማያት ተላዒሉ ዘሎ ናይ ‘ይግበኣኒ’ዩ’ ምስሕሓብ፣ ኬንያ ምስ ሶማሊላንድ ንግዳዊ መስመር ብምጅማራ፣ ናብ ዝኸፈአ ጠርዙ ከይዓዝዝ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ድሮ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ሶማል ኣቕሪባቶ ዘላ ዋንነት ክሊ ማያት፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ እንተወሲዳቶ፣ ኬንያ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ክትተርፍ ስለእትኽእል፣ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ወጥሪ ከለዓዕል ሙዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሰበስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ናይ ቃላትን ዲፕሎማሲን ቁርቁስ ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ፣ ብሽምግልና ጎረባብቲ ሃገራት ፍልልዮም ብዘተ ክፈትሑ ከምዝተሰማምዑ ይፍለጥ።

እዚ ኬንያ ኣሚማቶ ዘላ በረራ ካብን ናብን ናይሮቢ-ሃርጌሳ እንተተጀሚሩ፣ ነታ ካብ ሶማል ተነጺላ በይናዊ ናጽነት ኣዊጃ ዘላ ሶማሊላንድ ዓቢ ቁጠባዊ መኽሰብ ክትረኽበሉ’ያ።

ከምዝፍለጥ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዱባይን ሰሙናዊ፣ ናብ ሶማሊላንድ ዝቐንዐ ናይ ንግዲ በረራታት የካይዳ እየን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0