ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን ብሓያል ውዳበታት ይቕጽል

Radio Erena: 26 June 2019

ህዝቢ ሱዳን ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ስልጣኑ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከሰጋግር ዝጽውዕ ሓያል ተቓውሞ ንምክያድ ዳግም ይወዳደብ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ወሃብ ቃል ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፣ብሶኑይ ኣብ ዝገበሮ ጻውዒት ን30 ሰነ ሓያል ተቓውሞ ክካየድ ሙኻኑ ገሊጹ።

እቲ ሰልፊ ን30 ሰነ ክካየድ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ድማ ፣ መበል 30 ዓመት ምምጻእ በሺር ናብ ስልጣን ንምዝኽኻር ምኻኑ ሓቢሩ።

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተቐበሎ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ ፣ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ እማመ ከምዝቕበልን ንሱ ቀዲሙ ከምዝመጸን ድሕሪ ኣዘኻኺሩ ።

እቲ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ እማመ፣ ዝቐውም ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ብ7 ሲቪላውያንን 7 ወተሃደራውያንን፣ ሓደ ከኣ ዘይሻራዊ ዝኾነ ሲቪላዊ ውልቀሰብ ክኸውን ዝብል’ዩ ነይሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0