መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ስልጣን ተቖጻጺሩ ንዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 25 June 2019

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ስልጣን ተቖጻጺሩ ንዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብዕለት 24 ሰነ ናብ ከተማ ካርቱም ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ፣ ምስ ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ከምዝተራኸበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

ኣብቲ ርክብ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተላእከ ደብዳበ ድሕሪ ምርካብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ’ቲ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ደው ኢሉ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንማዕከናት ዜና ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብዚ ሱዳን ኣብ ተኣፋፊ ናይ መሰጋገሪ እዋን ትርከበሉ ዘላ ህሞት፣ እቲ ወተሃደራዊ ቆንስል ጸጥታ ኣብ ምውሓስ ዕዙዝ ተራ ከምዝጻወት፣ መንግስቲ ኤርትራ እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን መጺኡ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ፣ እታ ሃገር ምስ ኤርትራ ዝህልዋ ዝምድና ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት’ዩ ክብል ገሊጹ።

እቲ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ወተሃደራዊ ቆንስል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን፣ ከምኡ’ውን ለተናል ጀነራል ሸምሸዲን ቃባሺ እውን ከምዝተራኸበ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ወተሃደራዊ ጉጅለን ዘተ ሰላም ንምጅማር እማመ ኣቕሪባ፣ ትሰርሓሉ ኣብ ዘላ እዋን እያ፣ ኤርትራ ነቲ ንህዝባዊ ናዕቢ ጨውዩ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ደገፋ ደጊማ ተረጋግጽ ዘላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    Hadgu Meles 5 years ago

    Kexlow aejokum bertau

  • comment-avatar
    N.yohannes. 5 years ago

    Wel, is there any one surprised?
    The honeymoon phase b/n aby &pia is over.shaebia is resorting to its old habits of funneling the flames of chaos in the region.habits die hard.after all this military junta in Sudan fits into pia dictatorial style of leadership.

  • comment-avatar
    ፍትሒ 5 years ago

    ረድዮ-ኤረና፡ ኣብ ኩሉ ዜናኹምስ መንግስቲ-ኤርትራ ፡መንግስቲ-ኤርትራ ትብሉስ፡ ብህዝቢ ዝተዋህቦ መንግስትነት ክሳብ ዘይሃለወ በጃኹም ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኢልኩም ተኣረሙልና፡ please! ህዝብን ባይቶን ዝመረጾ መንግስቲ የለን፡ ስለ’ዚ እንዳፈለጥኩም ኣይትጋገዩ። ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኢልኩም እንተጽሒፍኩማ/ኣንቢብኩማ ንባዕላ ዓባይ መልእኽቲን ንቅሓት ነቲ ዘይነቀሐ ትህብ እያ። ተዘይኮይኑ መንግስቲ መንግስቲ እንተኣብዚሕኩም ንስኹም’ውን ከይትሕመዩ። እዚኣ ኩሉ ግዜ ምስ ኣዕሩኽተይን ቐረብተይን ንዘራረበላ ኣርእስቲ እያ’ሞ please ኣርሙዋ። የቀንየለይ
    ካብ ሓውኹም ፈታዊ መደብኩም!!!