ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝተኻየደ ዘተ ብዘይፍረ ተዛዚሙ

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝተኻየደ ዘተ ብዘይፍረ ተዛዚሙ

Radio Erena: 08 April 2018

ghandur ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝተኻየደ ዘተ ብዘይፍረ ተዛዚሙ።

ኣልጀዚራ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ እቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተኻየደ ዘተ ኣብ መንጎ’ዘን ሰለስተ ሃገራት ንኣስታት 13 ሰዓታት ከምዝጸንሐ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ ከምዝተበተነ ገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን መስኖኣዊ ሕርሻን፣ ሓለፍቲ ጸጥታ ከምኡ’ውን ኣብቲ ሞያ ዝነጥፉ መሃድሳት ሰለስቲኤን ሃገራት ከምዝተሳተፉ ካብ ሱዳን ዝተመሓላለፈ ዜና የረጋግጽ።

ኢትዮጵያ ንእትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ ፈረንሳውያን ክኢላታት ንዘቕረቡዎ መጽናዕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ድሕሪ ምቕባለን፣ ግብጺ ብዘይምስምማዓ ተቛሪጹ’ዩ ጸኒሑ።

ኢብራሂም ጋንዱር ኣብ መግለጺኡ፣ ‘እቲ ዘተ ኣሻማዊን ዝተሓላለኸን ባህርይ ስለዘለዎ ዓቕልን ድሌትን ዝሓትት’ዩ። በብወገንና ጻዕርታት’ኳ እንተካየድና ኣብ ሓባራዊ ባይታ ክንበጽሕ ኣይከኣልናን’ ድሕሪ ምባል፣ ዝመጽእ ዘተ መዓስ ከምዝኸውን ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፣ ካብ መራሕቲ ሃገራቶም ትእዛዝ ይጽበዩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ግብጺ፣ ምህናጽ’ቲ ሓጽቢ ኣብ ግብጽን ሱዳንን ዝህልዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ንምፍላጥ እቲ ናይ ተክኒክ ጉጅለ መጽናዕቱ ክቕጽል ከምእትደሊ ዝሓለፈ ሰሉስ 3 ሚያዝያ ኣፍሊጣያ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0