ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ እተካዪዶ ናይ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ንጥፈታት ደው ከተብሎ መንግስቲ’ታ ሃገር ጸዊዑ

ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ እተካዪዶ ናይ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ንጥፈታት ደው ከተብሎ መንግስቲ’ታ ሃገር ጸዊዑ

Radio Erena: 08 April 2018

helicopter crushedኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ እተካዪዶ ናይ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ንጥፈታት ንግዚኡ ደው ከተብሎ መንግስቲ’ታ ሃገር ጸዊዑ።

መንግስቲ ጂቡቲ ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕርብ ዘሎ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ምስ ነፈርቲ ኲናት ዝተተሓሓዘ ክልተ ሓደጋታት ብምፍጻሙ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነው ዜና የረድእ።

ከምዝዝከር AV-8B Harrier ዝዓይነታ ዝተራቐቐት ነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ብሰሉስ 3 ሚያዝያ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምቦሊ ናይ ጅቡቲ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ነዊሕ ርሕቀት ከይበረረት ወዲቓ’ያ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሲ.ኤች-53 ዝዓይነታ ካልእ ሄሊኮፕተር ብዘጋጠማ ተክኒካዊ ጸገም ከምእትዓልብ’ኳ እንተተገብረ ሓደ ካብቶም ኣብረታ ክቖስል እንከሎ፣ ክልተ ኣብ መሬት ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ከኣ ከምዝቖሰሉ ወተሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ድሕሪ’ዚ ክልተ ሓደጋታት ነፈርቲ፣ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ኣመሪካ እተካዪዶ ንጥፈታት ነፈርቲ ውግእ ደው ከተብል ንዘቕረቦ ሕቶ፣ ምምዳር ዋሺንግተን ነቲ ጻውዒት ተቐቢሉዎ ከምዘሎ ካብ ፐንታጎን ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ነዚ ኣብ ጂቡቲ ዘጋጠመ ሓደጋታት ነፈርቲ ምስ መንግስቲ’ታ ሃገር ብምትሕብባር መጽናዕቲ ይግበረሉ ከምዘሎ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ኣመሪካ ይገልጹ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0