ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ዝተኻየደ ስምምዕ፤ ንኲናት ሓድሕድ የመን እወታዊ ለውጢ ከምጽኣሉ ይትስፎ

Radio Erena: 15 March 2023

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተኻየደ ስምምዕ፤ ንኲናት ሓድሕድ የመን እወታዊ ለውጢ ከምጽኣሉ’ዩ፤ ክብሉ ሰበስልጣን ኢራን ገሊጾም።

ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኢራን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰኑይ 13 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ኣብ የመን ንዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዝደፍእ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ፤ ብስምምዕ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ልዝብ ክፍታሕ ዓቢ ዕድል ኣለዎ ኢሉ።

ክልቲኤን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ድሕሪ ምብታኸን፤ ኣብ የመን ናይ ውክልና ውግእ ከካዪዳ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ነዚ ብመንጎኝነት ቻይና ዝተበጽሐ ስምምዕ፤ ሓይልታት ሑቲ ብሓጎስ ከምዝተቐበልዎ ኣፍሊጦም። ወሃብ ቃል ኣልሑቲ መሓመድ ዓብዱልሰላም ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ዘይከምቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣጀንድኤን ንምስፍሕፋሕ ዝፈተናኦ ዘተ ሰላም፤ እዚ ብቻይና ዝቐረበ እማመ፤ ሃገራት ዓረብ ተላዚበን ሽግራተን ንምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለወን ዘርእይ እዩ፤ ኢሉ።

መንግስቲ የመን ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ በቲ ስምምዕ ዝተሰመዖ ሓጎስ እኳ እንተገለጸ፤ ግብራዊ ንምዃኑ ግና ኣብ ባይታ ምስ ግዜ ዝረኣይ እዩ፤ ብምባል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢራን ዘለዎ ጥርጣረ ገሊጹ።

ኢራን ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን፤ ምዕራባውያንን ንሑቲ ኣጽዋር ትልእኽ ኣላ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክቐርበላ እኳ እንተጸነሐ፤ ናይ ኣሉታ ምላሽ እያ ክትህበሉ ጸኒሓ።

ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ኣብቂዑ። እንተኾነ ክልቲኦም ወገናት ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ከበድቲ ውግኣት ከየካየዱ እዮም ጸኒሖም።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0