ኤርትውያን ነበርቲ ኡጋንዳ፡ናይ ጽሬት መዓልቲ ወዲቦም

Radio Erena: 16 March 2023

ኤርትራውያን ተቐማጦ ካምፓላ፡ ኡጋንዳ፡ ንሓደ መዓልቲ ዝጸንሕ ናይ ጽሬት መደብ ወዲቦም።

እቲ ብሓድሽ ዝተመስረተ ማሕበር ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን ተወዲቡ፡ ን 25 መጋቢት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ወፈራ ጽሬት፡ ኤርትራውያን ኣብታ ከተማ ሰናይ ኣስተዋጽኦ ክህልዎምን ኣርኣያ ክኾኑ ከኽእሎምን ምዃኑ ይሕበር።

ማሕበር ኤርትራውያን ስነ ጥበባውያን ምስ ምምሕዳር ከተማ ካምፓላ ዘዳለዎ እቲ መደብ፡ ነታ ኣብ ጎደናታታ ጉሓፍ ዘይፍለያ ከተማ ካምፓላ ንምጽራይ፡ ምስ ጉዱሳት መሻርኽትን ትካላትን ብምውህሃድ፡ ኣብ ጎደና ዝትከል መጉሓፊ ሳንጣታት ንምድላው እውን መዲቦም ኣለዉ።

ንሶም ኣብቲ መደብ ኩሉ ኤርትራዊ ነባሪ ኡጋንዳ ክጽንበሮም ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

እቶም ስነ ጥበባውያን ብማሕበር ተወዲቦም ምስ መንግስቲ ኡጋንዳ ብምትሕብባር፡ ኣብ ስነ ጥበባዊ ዕዮታቶም ከጉንፎም ዝጸንሐ መኻልፍ ንምውጋድን ጥሑሕ ባይታ ንምፍጣርን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሮ መንግስቲ ዩጋንዳ፡ ንኣባላት እቲ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይታ ሃገር ናይ መስኣሊ ፍቓድ ክህቦም ተመባጺዑ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣብ ንግዳውን ካልእን ንጥፈታት ብኣብነት ክጥቀሱ ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብዚ ሕጂ እዋን ብማሕበራት ተጠርኒፎም፡ምስ መንግስቲ ኡጋንዳ ዝሓሸ ርክባት ክፈጥሩ ይጽዕሩ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት እውን፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣውፈርቲ ምስ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ብምርኻብ፡ ሓደ ንጉዳይ ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ክኽፈት ኣብ ስምምዕ ምብጽሖምን ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0