ኢትዮጵያ፤ ኣብ ዞባ ሲዳማ ተኻየደ ግጭት፤ ብሄር ዘንቀሎ ወይ ናይ ዶብ ጉዳይ ከምዘይኮነ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 March 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ሲዳማ፤ ኣብ መንጎ ነበርቲ ብዝተኻየደ፤ ህይወት ልዕሊ 10 ሰባት ዝወሰደ ግጭት፤ ብሄር ዘንቀሎ ወይ ናይ ዶብ ጉዳይ ከምዘይኮነ ተገሊጹ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ፍትሕን ሲዳማ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ እቲ ግጭት ከምቲ ኣቐዲሙ ክግለጽ ዝጸንሐ፤ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ፤ ኣብ መንጎ ሲዳማን ኦሮሞን ዝተወለዐ ግጭት ዘይኮነስ፤ ኣብ መንጎ ደቂ ዓዲ ብዝተወለዐ ሕነ ናይ ምፍዳይ ክርፍስ ዝጀመረ ምዃኑ ጠቒሱ።

ብሰንኪ’ቲ ግጭት ሓያሎ ስድራቤታት ካብ ቤት ንብረተን ክመዛበላ እንከለዋ፤ ብውሑዱ 12 ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ይፍለጥ።

እቲ ግጭት፤ ሓይልታት ጸጥታ ሲዳማን ኦሮምያን ብሓባር ብዘካየዱዎ ምትእትታው እዩ ዓሪፉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቦታ ኣትዩ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ኣርሲ ኣሕመድ ሓጅ፤ ዓበይቲ ዓዲ ክልቲኡ ዞባታት ዕርቂ ንምፍጣር ምስ ክልቲኦም ወገናት ይዘራረቡ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

እቲ ዞባ፤ ብናይ መጋሃጫ መሬትን ማይን ተደጋጋሚ ግጭታት ኣብ መንጎ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ክርእይ ጸኒሑ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0