ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጨናፍር ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር፣ ንሓባራዊ ኣድማዒ ውጽኢት ዝዓለመ ዓውደ መጽናዕቲ የካይዳ ኣለዋ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጨናፍር ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር፣ ንሓባራዊ ኣድማዒ ውጽኢት ዝዓለመ ዓውደ መጽናዕቲ የካይዳ ኣለዋ

Radio Erena: May 5, 2014

EYSNC

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጨናፍር ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ዓውደ መጽናዕቲ የካይዳ ኣለዋ።

ስምረት መንእሰያት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ልዕሊ 80 ጨናፍር ዘለዎ ኮይኑ ኣብ 2012 ዓ/ም ኣብ ደብረዘይት ኢዩ ብወግዒ ቆይሙ።

እዚ ማሕበር ድሕሪ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ተጻብኦታት ብምስጋር በብዞባታት ዓቅሙ ንምዕባይን ስልትታት ቃለሲ ንምሕንጻጽን ኣብ ጽዑቅዝኮነዓውደ መጽናዕቲታት ይርከብ።

ብደረጃ ኤሮጳ ኣብ ብሪጣንያ፤ ሽወደን፤ ስዊስ፤ ኖርወይ፤ ጀርመን፤ ሆላንድን ካብ 19 ክሳብ 26 ሚያዝያ ድሕሪ ምክያድ ኣብ መዛዘሚ ከኣ 2ን፡3ን ግንቦት ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ተኻይዱ።

ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ዓንዲ ሕጊ ማሕበር፡ንሓዋሩ እዚ ማሕበር እንታይ ዓይነት ውደባ ይግበር ኣብ ዝብሉን ካልኦት ኣገደስቲ ኣርእስቲ ኣልዒሉ ዘትዩ።

 

ኣብ መዛዛሚ ዓውደ መጽናዕቲ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ተስፉ ኣጽብሃ ተረኺቡ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ምሃቡ ካብ ኣባላት ዝቀረበሉ ሕቶታት መሊሱ።

እዚ ዓውደ መጽናዕቲታትልዑል ተሳትፎ መንእሰያት ዝተራእየሉ ኮይኑ ካብ ዝኮነ እዋን ንላዕሊ ተሳትፎስነጥበባውያን ዝተራእየሉ እውን ኔሩ። ከም ሃኒ ምሕረትኣብ ግርማይ ጥዩስ፡ ሳልሕ ሳክስፎን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ደረፍቲ ስነጥበባውያን ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ናይ ኤውሮጳ ዓውደ መጽናዕቲ ልኡል ድምቀት ከምዝሃብዎ ተፈሊጡ።

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ማለት ኣብ ካናዳ እውን ኣብ እስራኤል እዚ ዓውደ መጽናቲ ዝተኻየደ ኮይኑ ኩለን ጨናፍር ናብቲ ካብ 24 ግንቦት ክሳብ ባሕቲ ሰነ ዝካየድ ቀዳማይ ጉባኤ እዚ ማሕበር ብወከልተን ክሳሳታፋ ኣብ ምሽብሻብ ይርከባ።
====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0