ሕማቕ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ (World Press Fredom Day) ጎሊሑ ውዒሉ

ሕማቕ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ (World Press Fredom Day) ጎሊሑ ውዒሉ

Radio Erena: May 5, 2014

free press day

ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ (World Press Fredom Day) ብቀዳም 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለሉ፣ ሕማቕ ምስሊ ኩነታት ፕረስ ኤርትራ ጎሊሑ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ብደረጃ ዓለም ኣብ ስጳና ከተማ ማድሪድ ዘኪሩዋ ኣብ ዝወዓለሉ ዕለት፣ እታ ኣብ ፕረስ ብዘለዋ ምስሊ ብደረጃ ዓለም ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ እትርከብ ኤርትራ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ዕለት ኮይና ከምዝወዓለተ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ካብ ስጳኛን ካልኦት ሃገራትን ዝተዓደሙ ህቡባት ተዋሳእቲ፣ ደረስቲ፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ጸለውቲ ሰባትን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ዕዱማት ዝተረኽብሉ ኣብ ማድሪድ ዝተኻየደ ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ንኩነታት ፕረስ ድማ ብፍላይ ብዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ተዋሂቡ።

 

ኤርትራ ኣብ ስጳኛን ካልኦት ሃገራትን ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብላ ሃገር ደኣ ትኹን’ምበር፣ ኣብ ቀይዲ የእትዋቶም ብዘለዉ ብዝሒ ጋዜጠኛታት ግና ካብ 180 ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምእትስራዕ ኣብቲ ዕለት መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ከም ኣብነት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርድን ሕጋዊ መስርሕን ንዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ልዕሊ 20 ጋዜጠኛታት ድማ ምስሊ ጋዜጠኛን ገጣሚትን መንእሰይ ይርግኣለም ፍስሃን ዳዊት ኢሳቕን፣ ኣብቲ 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ዝተዘከረሉ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣዳራሻት ከተማ ማድሪድ ብፕሮጀክተር ተዘርጊሑ ከምዘምሰየው’ውን ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ኣብ ናጻ ፕረስ ዝግደሱ መንግስትውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት፣ ንሕማቕ ምስሊ ኤርትራ ኣጉሊሖሞ ከምዝወዓሉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ጎኒ ጎኒ’ዚ ናይ ኤርትራ ኩነታት ናይ ሶርያ ጉዳይ ፕረስ’ውን ተዘኪሩ ውዒሉ’ሎ።
=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0