መንግስቲ ሱዳን 45 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ መሊስዎም

መንግስቲ ሱዳን 45 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ መሊስዎም

Radio Erena: May 2, 2014

shegereb

መንግስቲ ሱዳን 45 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ መሊሱ።

እቶም መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመለሶም 45 ኤርትራውያን ናብ ሊብያ ኣብ ዝተበግስሉ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ተታሒዞም ንኣስታት 3 ወርሒ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ’ዮም።

ፖሊስ ሱዳን ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 45 ኤርትራውያን ናብ ሸገረብ ከነፋንወኩም ኢና ብምባል’ዮም ትማሊ ሓደ ግንቦት ወጋሕታ ናብ ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ኣረኪቦሞም።

ኣብ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣስታት 140 ዝኾኑ ኤርትራውያን’ውን ተመሳሳሊ ዕጫ ከይበጽሖም ተሰጊኡ ኣሎ።

 እዞም መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ኣረኪብዎም ዘሎ 45 ኤርትራውያን ስደተኛታት መብዛሕቶም ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ዝተመዝገቡን ብጫ ካርድ ናይቲ ትካል ዝሓዙን ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ብጽምእን ጥሜትን 10 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቶም ሞይቶም ዝተረኽቡ 10 ሰባት፣ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገቲ ሰባት ኣብ በረኻ ጠንጢኖሞም ዝኸዱ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 300 ስደተኛታት ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ።

ሓያሎ ካብቶም ብህይወት ድሒኖም ዘለዉ ስደተኛታት’ውን ኣብ ሕማቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዝርከቡ’ውን መግለጺ ናይቲ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን የመልክት።

ኣብ መዓስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኣኻኸቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ብመንገዲ ሱዳን ናብ ሊብያ ብምእታዊ ነቲ ናብ ኢጣልያ ዝካየድ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ክጽንበርዎ ይርኣዩ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0