ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ን31 ነሓሰ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካዪዱ’ዮም

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ን31 ነሓሰ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካዪዱ’ዮም

Radio Erena: 19 August 2018

eri demoኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዕለት 31 ነሓሰ፣ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካዪዱ ምዃኖም ተገሊጹ።

ዕላማ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ነዚ ኣብ መንጎ ውሑዳት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዘለዉ ስምምዓት፣ ንህዝቢ ዘየማእከለን ዘይወከለን ምዃኑ ንዓለም ንምርኣይ ዝዓለመ’ዩ ክብሉ ኣዳለውቲ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ገሊጾም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንሰላም ከምዝብህጉዋን ምእንቲ ሰላም ከምዝቃለሱን፣ እንተኾነ ግና እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኢሰያስን ስምምዕ ንህዝቢ ዘጓነየ፣ ግሉጽነት ዘይብሉ፣ ንሃገርን ህዝብን ዘይኮነ ንረብሓ ውልቀሰባት ዘቐደመ ምዃኑ ንምግላጽ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ የካዪዱዎ ከምዘለዉ ገሊጾም።

‘እወ ንሓቀኛ ሰላም፣ እምቢ ንሽርሒ’፣ ‘ሰላም ብዘይፍትሕን ባይቶን፣ ሓቀኛ ሰላም ኣይኮነን’፣ ‘እምብልታ ሰላም፣ ኣብ ቤትካን ህዝብኻን ይጅምር’ ዝብሉን ካልእ ጭርሖታትን ኣልዒሉ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ 31 ነሓሰ፣ ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ሰላም’ኳ እንተኾነ፣ መጀመርያ ግና ኣብ ውሽጢ ሃገር ክዕረ ዝግብኦ ብዙሕ ነገራት ዝተባላሸወ ከምዘሎ ንምርኣይ ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ዘይኮነ፣ ብህዝቢ ዝተጸወዐ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ክሳተፎ ኣዳለውቲ’ቲ ሰልፊ ይጽውዑ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0