ኣብ ሕውየት ቁጠባን ምብርባር ወፍሪን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ዞባዊ ዋዕላ: ኣብ ርዋንዳ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 28 October 2021

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎ ኣህጉራዊ ትካላትን ዝተወከሉ ኣስታት 100 ሰበ ስልጣን ፈጸምቲ ኣካላትን፣ ወነንቲ ብርኪ ቁጠባን ዝሳተፍዎ ዞባዊ ዋዕላ ኣብ ርዋንዳ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ‘መኸተ ንሕውየት፣ መስሕብ ወፍሪን ቀጻሊ ዕብየት ቁጠባን ምብራቕ ኣፍሪቃ’ ብዝብል ቴማ ካብ 27 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ዝካየድ ዘሎ መበል 25 ዋዕላ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ ርክብ ሰበ ስልጣንን ክኢላታት ቁጠባ፣ ንግድን ወፍሪን’ዩ።

ወኪል ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ዶ/ር ማማ ከይታ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ሃገራት ከምዘዳኸሞ ብምጥቃስ፣ ኣብቲ ዋዕላ፣ ሰበ ስልጣን መንግስትን ክኢላታትን ብዘካይድዎ ዘተ ንሕውየት ቁጠባን ምብርባር ወፍርን ንግድን ሓጋዚ ከምዝኸውን ገሊጻ።

ኣብ 2018 ዝተመስረተ ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ ኣህጉር ኣፍሪቃ ወይ AfCFTA ሓደ ካብቲ ንሕውየትን ምብርባርን ቁጠባ፣ ንግድን ወፍሪን ምብራቕ ኣፍሪቃ ክኽውን ከምዝኽእል’ውን እታ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣገንዚባ።

ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ 1 ጥሪ 2021 ኣትሒዙ ናብ ግብሪ ንምስግጋሩ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዘይካ ኤርትራ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኸተማሉ ቁጠባዊ ስምምዕ’ዩ።

ኣብዚ ንወከልቲ 14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓዲሙ፣ ኣብ ርዋንዳ ዝካየድ ዘሎ፣ ኣብ ቁጠባ፣ ንግድን ወፍሪን ዘተኮረ ዞባዊ ዋዕላ፣ ኤርትራ ብዛዕባ ትሳተፍ ምህላዋ’ውን ኣይተሓበረን።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0