ኡጋንዳ፣ ‘ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም’ ንዝበለቶም 15 ኤርትራውያን ኣሲራ

Radio Erena: 28 October 2021

ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ፣ ‘ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዮም’ ንዝበልዎም 15 ኤርትራውያን ከምዝኣሰሩ ደይሊ ሞኒተር ካብ ካምፓላ ሓቢሩ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ዶብ ኬንያ ሰጊሮም፣ ኣብ ዞባ ቶሮሮ፣ ከባቢ ማላባ ምስኣተዉ ‘ዮም፣ ብ26 ጥቅምቲ ብፖሊስ ኡጋንዳ ተታሒዞም።

ከም ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ንሳቶም’ውን ናብ ከተማ ካምፓላ ብምምራሕ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት መደብ ዝነበሮም ምዃኖም ይግመት።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ ክልተ መጥቃዕታት ድሕሪ ምክያዱ፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘለዉ ይግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0