ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ 50 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ሚኒስተር ዜና ገሊጹ

Radio Erena: 01 May 2019

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተቐርቒሮም ዝጸንሑ 50 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ 18 ካልኦት፣ ሎሚ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ሊብያ ክምለሱ ምዃኖም ጠቒሱ።

ሚኒስተር ዜና ኣብቲ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፣ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፣ ነቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክትጣየሱ እኹም እናበለ ናብ ኒጀርን የግዕዞም ብምህላዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዓዶም ንምምላስ ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዕንቕፋት ይኸውን ከምዘሎ ወቒሱ።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝጸወዖ እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

ከተማ ጣራብሎስ ንምቁጽጻር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኵናት፣ ኣብ መንጎ ‘ቲ ውግእ ተቐርቒሮም ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ካብቲ ግጭት ንምድሓኖም UNHCR ውሑስ’ዩ ናብ ዝተባህለ ቦታ ከግዕዞም ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንክሎ፣ UNHCR ኣብ ሊብያ ካብ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 146 ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ከምዘግዓዘ ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ መንጎ ኵናት ተቀርቒሮም ዝጸንሑ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኒጀርን ካልኦት ውሑስ ዝበሎ መዓስከራትን የግዕዝ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0