ኣብ ለንደን ኣብ ዘጋጠመ ባርዕ ህንጻ፣ ክልተ ኤርትራውያን ሃለዋቶም ጠፊኡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ

ኣብ ለንደን ኣብ ዘጋጠመ ባርዕ ህንጻ፣ ክልተ ኤርትራውያን ሃለዋቶም ጠፊኡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 16 June 2017

england fire

ኣብ ብሪጣንያ፣ ከተማ ለንደን ኣብ ዘጋጠመ ባርዕ ህንጻ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ሃለዋቶም ጠፊኡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ ብሰሉስ 13 ሰነ ኣብ ማእከል ለንደን፣ ኣብ ዝርከብ በዓል 24 ደርቢ ህንጻ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 17 ክበጽሕ እንከሎ፣ ኣስታት 60 ዝኾኑ ከኣ ሃለውቶም ከምዘይተፈልጠ ጸብጻብ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ የመልክት።

 ካብዞም ሃለዋቶም ጠፊኡ ዝበሃል ዘሎ ኣስታት 60 ሰባት፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተሓብሩ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዘለዉ፣ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ክጠቕሱ እንከለዉ፣ ምሉእ መንነቶም ዛጊት ብንጹር ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ሓቢሮም።

ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ከተማ ለንደን ዳኒ ኮቶን፣ ሃለዋቶም ጠፊኡ ናይ ዘሎ ሰባት መንነት ብልክዕ ንኽንጸር ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽእል ይገልጽ።

ንሱ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ምሉእ ስድራቤታት ግዳያት እዚ ሓደጋ ኮይነን ክህልዋ ከምዝኽእላ ብምምልካት፣ ካብዞም ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ሰባት፣ ብህይወት ክድሕኑ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ይእንፍት።

ጠንቂ’ቲ ባርዕ ህንጻ ኣብ ምጽራይ’ዩ ዝርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0