ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘትዩ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘትዩ

Radio Erena: 16 June 2017

35th session

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብ14ን 15 ሰነ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘትዩ።

ኣብቲ ንእዋናዊ ጸብጻብ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሸይላ ኪታሩር ብምቕራብ ዘትኡ ዝጀመረ ዋዕላ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወከለ ኣካል በቲ ሓደ ንሲቪካውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ዝወከሉ ከኣ በቲ ካልእ፣ ጸብጻባቶምን ምስክርነታቶምን ብምቕራብ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዘትዮምሉ።

መበል 35 ስሩዕ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ብክልቲኦም ወገን ዝቐረበ ምስክርነታትን ጭብጥታትን፣ ምስ ጸብጻብ ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ብምዝማድ ን23 ሰነ ሓድሽ ውሳኔ ከጽድቕ ትጽቢት ኣሎ።

ኣቐዲሙ ዝቐረበ ጸብጻባትን ዘተን፣ መንግስቲ ኤርትራ ብግሁድ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱ ይግህስ ከምዘሎ ምድምዳሙ ዝዝከር’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኽሰሱ ንዝብል እማመታት፣ ብዙሕ ክትዓት ብምልዓል ንተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዝተሰጋገረ ኣይርሳዕን።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0