ቀጠር፣ 12 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን ነፈርቲ ውግእ ካብ ኣመሪካ ንምሽማት ትሰማማዕ

ቀጠር፣ 12 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን ነፈርቲ ውግእ ካብ ኣመሪካ ንምሽማት ትሰማማዕ

Radio Erena: 16 June 2017

F 15

ምስ ሃገራት ዓረብ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ቀጠር፣ 12 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን ነፈርቲ ውግእ ካብ ኣመሪካ ንምሽማት ኣብ ስምምዕ በጺሓ።

እታ ሃገር ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ዝሕበር ዘሎ፣ ብሚኒስተር ምክልኻል ቀጠር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ቀጠር ኣብ ዋሽንግተን ዑደት ብምክያድ፣ ምስ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

ኣመሪካ ንቀጠር F-15 ዝዓይነተን ዝተራቐቓ ነፈርቲ ክትሸጠላ ትሰማማዕ ዘላ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ፣ “ቀጠር ንሽበራውያን ጉጅለታት ትድግፍ ኣላ፣” ክብል ድሕሪ ዘቕረቦ ወቐሳ’ዩ።

ቀጠር፣ እታ ዝዓበየ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዘለዋ ዓረባዊት ሃገር ኮይና፣ ኣብ መሬታ ኣስታት 10 ሽሕ ወትሃደራት ተዋፊሮም ይርከቡ።

ኣመሪካ ኣቐዲማ’ውን ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን 10ታት ቢልዮናት ዶላራት ዝዋግኡ ኣጽዋር ክትሸጠለን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ኣይርሳዕን።

ካብዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ዝረብሓ ሃገራት ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብ’የን ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ብተደጋጋሚ ይገልጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0