ኣባል ፖሊስ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራውያን ከሰጋግር ተታሒዙ

Radio Erena: 30 October 2022

48 ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ከሰጋግር ፈቲኑ ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ፤ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ተገሊጹ።

ሓላፊ ጸጥታ ደቡብ ኢትዮጵያ ታጂ ነጋሽ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ እቲ ኣይተነው መኮነን ዝተባህለ ምኽትል ኢንስፐክተር፤ ኣብቲ ዞባ ሓላፊ ተክኒካዊ ምቁጽጻር ዶብ ኮይኑ ከገልግል እኳ እንተጸነሐ፤ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምስግጋር ደቂሰብ ተዋፊሩ ምጽንሑ ሓቢሩ።

ነቶም 20 ደቀንስትዮን 5 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ዝርከብዎም 48 ኤርትራውያን ሒዛ ትጎዓዝ ዝነበረት ኣይሱዙ ዝዓይነታ ማኪና፤ ብዕለት 18 ጥቅምቲ እያ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኣትያ።

እቲ ብምስግጋር ደቂሰብ ተኸሲሱ ዘሎ ኢንስፐክተር፤ ኣብቲ ፍጻሜ ምስ ተሓጋጋዚኡ ብፖሊስ ከምዝተታሕዘ ሓላፊ ጸጥታ’ቲ ዞባ ኣመልኪቱ።

እቲ ዞባ ንኢትዮጵያ ምስ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ዘራኽብ ዶብ ስለዘለዎ፤ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ንዋሕዲ ኣባላት ምቁጽጻር ዶባት ከም ዕድል ተጠቒሞም፤ ብዙሕ ግዜ ከምዝመላለሱሉ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0