ደገፍቲ ስርዓት ኣልበሽር፣ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም

Radio Erena: 30 October 2022

ደገፍቲ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ኣልበሽር ዝኾኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከተማ ካርቱም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

እቶም ደገፍቲ ስርዓት ኣልበሽር፤ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ሱዳን ክወጹ ብምጥላብ እዮም ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶሞ።

ብፍላይ’ቲ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ሓይሊን ሲቪካውያን ማሕበራትን ዕርቂ ከስፍን ዘተ ሰላም ዘካይድ ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ካብ ሱዳን ብቕጽበት ክወጽእ፤ እቶም ሰልፈኛታት ጠሊቦም።

ንሶም ብተወሳኺ፤ ልዑላውነት ሱዳን ክኽበር ኣለዎ ብምባል፤ ስርዓተ መንግስቲ ብእስላማዊ ደኣምበር ሰኩላር ክኸውን የብሉን ኢሎም።

ከምዝፍለጥ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፤ ብሪጣንያ፤ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝቖመ ካልእ ጉጅለ፤ ኣብ መንጎ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለን፤ በርጌሳውያን ማሕበራትን፤ ዕርቂ ንምፍጣር ጻርታት ይካየድ ኣሎ።

ብካልእ ወገን፤ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ሱዳን፤ ዘተ ሰላም ንምሽምጋል ዝነጥፋ ዘለዋ ሃገራት፤ ኣብ ክንዲ ብሓደ ወገን ዝቐረበ እማመ ምስማዕ፤ ሓባራዊ መሰማምዒ ነጥብታት ከናድያ ተማሕጺኖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0